ፈረንሳ፣ ንሱዳን 1.5 ቢልዮን ዶላር ክትሕግዛ’ያ

Radio Erena: 17 May 2021

ፈረንሳ፣ ንሱዳን ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላራ ክትሕግዛ ምዃና ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ብሩኖ ለ መየር፣ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈረንሳ እተበርክቶ ሓገዝ፣ ሱዳን ንዘለዋ ኣስታት 60 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ፣ ንምኽፋል ክሕግዛ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

ፈረንሳ ንሱዳን፣ ገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝ ትገብር ዘላ፣ ሱዳን ጀሚራቶ ንዘላ ናይ ምስግጋር መድረኽ፣ ብቁጠባን ወፍርን ንምሕጋዛ ዘንቀደ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ሎሚ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኸፍተሉ’ዩ።

ካልኦት መሻርኽቲ ሱዳን ዝኾና ሃገረት’ውን ተመሳሳሊ ኣበርክቶ ክገብራ ትጽቢት ኣሎ።

ስርዓት በሽር ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣህጉራውያን ፊናንስያውያን ትካላትን ዝተለቕሖ 10ታት ቢልዮናት ዶላራት፣ ነታ ሃገር ካብ ሕሱም ቁጠባዊ ቅልውላው ከናግፋ ኣይከኣለን።

እቲ ስርዓት፣ ብኮንትሮባንዳ ንዝሽመቶ ዝነበረ ወትሃደራው ንዋትን ምወላ ተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራትን ቢልዮናት ዶላራት ከምዘፍሰሰ ይግለጽ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0