ፈረንሳ፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝውዕል 10 ሚልዮን ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ክትልግስ’ያ

Radio Erena: 02 September 2021

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝውዕል 10 ሚልዮን ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ክልግስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዘፍለጠ፣ ድሕሪ’ቲ ብ29 ነሓሰ፣ ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ዝተጋብአ ዋዕላ ጉጅለ 20 ሃብታማት ሃገራትን ምስ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝኽእል ወፍሪን ንግድን’ዩ።

ንኣፍሪቃ ብምውካል ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሪል ራሞፎሳ ኣብ ዘስምዕ ቃል፣ ሃብታማት ሃገራት ልዕሊ 60% ዜጋታተን ክታበት ክረኽቡ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ግና ብሓፈሻ ዝተኸትበ ህዝቢ 2% ጥራይ ምዃኑ ዘሕዝን’ዩ ክብል ገሊጹ።

ኣብዚ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ኩለን ሃገራት እዛ ኣህጉር ንዝባጻሕ 10 ሚልዮን ክታበት ዝለገሰት ፈረንሳ፣ ክሳብ ዝመእጽ ዓመት መስከረም 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ንሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ወይ ድማ ንኣስታት 400 ሰባት ዝኸውን ክታበት ንምሽማት፣ 3 ቢልዮን ዶላር ተዳልዩ ምህላዉ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማክሮን ኣረጋጊጻ።

ብውድብ ጥዕና ዓለም ተማእኪሉ ዝካየድ ዘሎ፣ መደብ ክታበት ኮረና ቫይረስ ወይ ኮቫክስ’ውን፣ ብዝተፈላለየ ሃገራት ዝተመወለ ክታበት ጸረ ኮቪድ ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ይባጻሕ ኣሎ።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ነዚ ብሓገዝ ዝረኽብኦ ዘለዋ ክታበት፣ ኮረና ቫይረስ ኣብ ምግታእ ኣብ ቅድመ ግንባር ንዝርከቡ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን፣ ኣረጋውያንን ሕዱር ሕማም ንዘለዎን ዜጋታተን ቀዳምነታት ኣብ ምሃብ ይርከባ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ መደብ ኮቫክስ ዘይተጸንበረትን፣ ዛጊት ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ዘይጀመረትን እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ’ያ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0