ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝተኣኻኸቡ ሓተቲ ዑቕባ ንሓድሕዶም ብዘካየድዎ ግጭት ሓያሎ ቆሲሎም

Radio Erena: 28 September 2020

ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ዝርከብ ምምሕዳር ካሌ፣ ኤርትራውያን ንዝከርብዎም ኣስታት 1200 ሓተቲ ዑቕባ፣ ናይ መግቢ ሓገዝ ዝህባ ትካላት ግብረ ሰናይ፣ ደው ከብልኦ ንዘውጽኦ መምርሒ ተቓውሞ ገጢምዎ።

ኣስታት 250 ዝኾኑ ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታትን ሰራሕተኛታት ትካላት ግብረ ሰናይን፣ ብ25 መስከረም ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ እቲ ምምሕዳር ዘንቀዶ ሓሳብ፣ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ምዃኑ ነቒፎም።

እቲ ምምሕዳር ብወገኑ፣ እቲ ኣብ ማእከል ከተማ ካሌ፣ ንኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ ብምእካብ ዝካየድ ዘሎ መግቢ ናይ ምዕዳል መስርሕ፣ ንለበዳ ኮረና ቫይረስ ዘቃልዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ስግኣት ነበርቲ እታ ከተማ ንምሕላው ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዶ’ዩ ዝጣበቕ።

ኣብ ካሌ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለኑ ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ዝርከብዎም ኣስታት 1200 ሓተቲ ዑቕባ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ካሌ፣ ኣብ መንጎ ሓተቲ ዑቕባ ብዝተጎሃሃረ ናዕብን እንባጋሮን ብውሕዱ ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና እቲ ዞባ ኣመልኪተን።

እቲ ብ25 መስከረም፣ ብካራሩን ኣባትርን ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ሱዳን ምዃኑ ዝሓበረት ሬድዮ ‘ላ ቩዋ ዱ ኖርድ’፣ ክልተ ሰባት ከምዝተወግኡ ኣረጋጊጻ።

ጠንቂ’ቲ ግጭት ንጹር እኳ እንዘይኮነ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ኣፍጋኒስታንን ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ከምዝለዓል፣ ብሰንኩ ድማ ብውሕዱ 4 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻብ ፖሊስ ናይቲ ምምሕዳር የመልክት።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0