ፈረንሳ፣ ብበዓል ቤታ ንዝተቐትለት ኤርትራዊት ነፍሰ-ጾርን ኣደ 3 ቆልዑን ንምዝካር፣ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 06 April 2023

ኣብ ድሮ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ፣ ብበዓል ቤታ ካብ ሓሙሻይ ደርቢ ተደፊኣ፣ ጸዲፋ ንዝሞተት ሓዳስ ዝተባህለ ኤርትራዊት ኣደ ንምዝካር፣ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ናይ ዝኽሪ ሰልፊ፣ ሓደ ሰሙን ድሕሪ’ቲ ዘሰንብድ ፍጻሜ፣ ኣብታ እትነብረላ ዝነበረት፣ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ፈረንሳ፣ ከተማ ፕያትየኽ ከምዝተኻየደ ጋዜጣ ላ ኑቬል ሪፖብሊክ ሓቢራ።

ኣብ ፈረንሳ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ቅነ ጥራይ ሰለስተ ደቂንስትዮ ብመጻምድተን ከምዝተቐትላ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ኣዘኻኺራ።

42 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ነፍሰጾር ንዝነበረት በዓልቲ ቤቱ፣ ብ6 መጋቢት፣ ካብ ሓምሻይ ደርቢ ኣጽዲፉ ከምዝቐተለ ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ እዋኑ ምግላጹ ይዝከር።

ንሱ፣ ነታ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ነፍሰጾር ንዝነበረት ኤርትራዊት በዓልቲቤቱ፣ ድሕሪ ሓያል ጭቕጭቕ ብባልኮኒ ደፊኡ ከምዘጽደፋ ባዕሉ ከምዝተኣመነ ጸብጻብ ፖሊስ ብተወሳኺ የመልክት።

በዓልቲ ቤቱ፣ ‘ምስ ካልኦት ትዘውር ኣላ ብዝብል ጥርጣረ’ ካብ ሓያል ቅንኢ ኣብ ዝተበገሰ፣ ቆይቅን ጭቕጭቕን ስምዒቱ ክቆጻጸር ብዘይምኽኣሉ፣ ካብ ዝነብሩሉ ህንጻ ደፊኡ ከምዘጽደፋ፣ ንዝሃቦ ቃል ብምጥቃስ፣ ኣኽባር ሕጊ ከተማ ፕዋትየኽ የረድእ።

ኣብ ቀይዲ ዝርከብ እቲ በዓል ቤታ፣ ብቕትለት ኣደን ኣብ ማህጸን ዝነበረ ዕሸልን ተኽሲሱ፣ ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ይርአ ኣሎ።

ብዘይ ኣደን ኣቦን ዝተረፉ ሰለስተ ደቆም ድማ፣ ብግዝያውነት ናብ ዝኣልይዎም ስድራ ተሰጋጊሮም ይርከቡ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0