ፈረንሳ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተመቶ ወትሃደራዊ ስምምዓት ደው ከተብል ከምእትኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 31 May 2021

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸተሞ፣ ዳግመ ምቛም ሓይሊ ባሕሪን ምሕዳስ ሓይሊ ኣየርን ዝርከቦ ወትሃደራዊ ስምምዓት ደው ክብል ከምዝኽእል ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኣንፊቶም።

እቶም ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣብ ብሄር ዘተኮረ ገበናት ይፍጽም ምህላዉ ኣብ ዝኽሰሰሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ፈረንሳ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ወትሃድራዊ ምትሕግጋዝ ንኸይቕጽል ብሓደ ሓደ ኣባላት ባይቶ ምሕጽንታ ይቐርብ ምህላዉ ኣመልኪቶም።

ግዝኣታ ኣብ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣሉታዊ ምስሊ ዝጸንሓ ፈረንሳ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ፣ ኣብ ርዋንዳ ናይ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ህልቂት ዋላ’ኳ ተሓባባሪ ኣይትንበር፣ ክትገትኦ እናኸኣለት ስጉምቲ ዘይምውሳዳ ግና ሓላፍነት ከምእትስከም ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲታ ኣያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንሃለዋ፣ ኣብታ ታሪኽ ህልቂት ርዋንዳ ከይትደግሞ ተሰጊኣ ዘላ ኢትዮጵያ ድማ፣ ብስም እቲ ኣቐዲሙ ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከይትቕጽል፣ ብፍላይ ድማ ኣጽዋር ብሓገዝ ኮነ ብመሸጣ ከይትህባ ‘ዩ ምሕጽንታ ዝቐርብ ዘሎ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ መጋቢት 2019 ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዳግም ኣብ ምቛምን ሓይሊ ኣየር ኢትይጵያ ድማ ኣብ ምሕዳስን ኣብ ዝብል ስምምዕ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከምዝተኸተመ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ዚ ስምምዕ እዚ፣ ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ኢትይጵያ፣ ናብ ሻርቡግ ኣብ ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳን ካልእ ወትሃድራዊን ነቒጣታትን ብምብጻሕ ተሞክሮ ክቐስሙ ተጌሩ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ፈረንሳ፣ ንኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ስልጠናታት’ውን ክትህብ ጸኒሓ።

ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት ግና፣ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ከም ኣካል ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዝተፈጸመ ገበናት ኵናትን ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላትን ብናጻ ኣህጉራዊ ኣካል ክጻረ፣ ሰራዊት ኤርትርን ሚሊሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጽኡን፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ዘድልዮም ዜጋታት እታ ሃገር ድማ ብዘይዕንቕፋት ክባጻሕን ይጠልብ ኣሎ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0