ፈረንሳ፣ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምምካት ኣስታት 100 ሽሕ ፖሊስ ኣዋፊራ

Radio Erena: 17 March 2020

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ፣ ንኣስታት 2 ሰሙን፣ ሃገር ምልእቲ ክትውሸብ ኣዋጅ ኣውጺኡ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ፈረንሳ ኣንጻር እዚ ቫይረስ ኣብ ኵናት ከምዘላ ብምእዋጅ፣ ካብ ሎሚ 17 መጋቢት ኣትሒዙ ንክልተ ቅነ ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ኣጠንቂቑ።

ብዘይካ መግቢ ንምሽማት ናብ ዱኳናት፣ መድሃኒታት ንምርካብ ናብ ፋርማሲን ሆስፒታላትን ከምኡ ድማ ፍሉይ ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ዘለዎም ሰራሕተኛታትን እንተዘይኮይኑ፣ ካልእ ዝኾነ ሰብ ክንቀሳቐስ እንተረኸቢቡ ምቕጻዕቲ ክብየነሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዶባት ፈረንሳ’ውን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ንዝመጹ ይኹን ካብ ካልእ ን30 መዓልታት ዕጹው ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ።

ብሰንኪ እዚ ኣዋጅ እዚ ቁጠባዊ ሃስያ ክበጽሖም ንዝኽእል ሰራሕተኛታትን ንኣሽቱ ትካላትን ንምሕጋዝ ዝውዕል 50 ቢልዮን ዶላር ተሰሊዑ ከምዘሎ’ውን እቲ ፕረዚደንት ኣገንዚቡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ንዓበይቲ ትካላት ናይ 300 ቢልዮን ዶላር፣ ናይ ድሕነት ልቓሕ ኣዳልዩለን ከምዘሎ ብምርግጋጽ ንምሉእ ድጋፍ ናብ ፓርላማ ከምዝቐርብ ጠቒሱ።

ነዚ ንምቑጽጻርን ዝተሸገረ ሰብ ንምሕጋዝን ኣስታት 100 ሽሕ ፖሊስ ኣብ መላእ ሃገራት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ብወገኑ፣ ወጺኡ ንዘሎ ኣዋጅ ውሸባ ዝጠሓሰ ውልቀሰብ ካብ ኣስታት150 ዶላር ክቕጻዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ፈረንሳ፣ ዛጊት 148 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ፣ ኣስታት 6700 ድማ ተለኺፎም ኣለዉ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0