‘ጻውዒት ሰላም’ ዝተሰምየ ጋዜጣዊ ዋዕላ 10ታት ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸልኪሉ

Radio Erena: 07 September 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፈርን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ድማ ብፍላይ፣ ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ውድቀተ ከየምርሓ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ልዕሊ 30 ዝኾና ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደብኦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ‘ጻውዒት ንሰላም’ ተኸልኪሉ።

እቲ ብ5 መስከረም ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸልከለሉ ‘ጸጥታዊ ስግኣት’ ዝብል ምኽንያት ከምዝተዋህቦ ዝተፈላለያ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

መንግስቲን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ናብ ዝርርብ ንሰላም ተቓሪቦም ኣብ ዝተባህለሉ፣ ቅድሚ ክልት ቅነ ዳግማይ ዝተወልዐ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ዛጊት ብክልቲኦም ወገናት ከቢድ ክሳራታት ኣስዒቡ ከምዘሎ ‘ዩ ዝግለጽ።

ውጽኢት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ይኹን ዝርዝር ናይቲ ኣብ ሰብን ንብረትን በጺሑ ዘሎ ሞትን ዕንወትን ካብ ክልቲኦም ወገናት ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበሉን።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሰራዊት ኤርትራ’ውን ንሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ፣ ብሰሜናውን ምዕራባንው ሸነኻት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ‘ዩ ዝግለጽ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ መንግስትን ህወሓትን ብህጹጽ ኵናት ደው ብምባል ናብቲ ንኽጅመር ተስፋ ሂቡ ዝነበረ ዘተ ክምለሱ ዘቕርቦ ዘሎ ጻውዒት’ውን እወታዊ ምላሽ ኣይረኸበን።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0