ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ሶማልን ጅቡትን ሓጺር ምብጻሕ ፈጺሙ

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ሶማልን ጅቡትን ሓጺር ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 07 May 2015

jon

ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፈጸመ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጂን ኬሪ ናብ ሶማል’ውን ሓጺር ዑደት ከምዘካየደ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ኣብቲ ብሰሉስ 6 ግንቦት ናብ ሞቛድሾ ዘካየዶ ሓጺር ዑደት ምስ ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ቀዳማይ ሚኒስተር ዑመር ዓብድራሺድ ዓሊ ሻርማረክን ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ፖለቲካውን ጸጥታን ምዕባለታት ዘትዩ።

እንተኾነ ኣውራ ዕላማ ዑደት እቲ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ዋሽንግተን ኣብ ጎኒ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ደው ኢላ ከምዘላ ንምርግጋጽ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

 

እዚ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ሞቛድሾ ዘካየዶ ዑደት ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ታሪኻዊ ምዃኑ ይንገረሎ።

ጆን ኬሪ ብዛዕባ’ዚ ታሪኻዊ ዑደት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ናብ ሶማል ዝበጽሓሉ ምኽንያት እታ ሃገር ብግዝያዊ ቅዋም እትምራሕን ፓርላማ ዘለዋን ክይና ናብ ንቡር ስለትምለስ ዘላ’ያ ክብል’ውን ኣስሚሩ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ሶማል ዝጸንሓሉ ሓጺር ሰዓታት ምስ መራሕቲ ዞባታት፣ ኣመሓደርቲ ፈደራላዊ ዞባታትን ወከልቲ ዝተፈላለዩ በርጌሳውያን ማሕበራትን’ውን ተራኺቡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ድሕሪ ናይ ኬንያን ሶማልያን ዑደቱ ናብ ጅቡቲ’ዩ ኣምሪሑ።

ምስ ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ድማ ኣብ ጉዳያት የመንን ሶማልያን ዘትዩ።

 =====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0