ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ማይክ ፖምፐዮ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከብቅዕ ተማሕጺኑ

Radio Erena: 01 December 2020

ጸሓፉ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ማይክ ፖምፐዮ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከብቅዕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተማሕጺኑ።

ማይክ ፖምፐዮ፣ ብ30 ሕዳር ኣብ ዝለጠፎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረበ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ከብቅዕን ዘተ ክጅመርን ከምኡ ድማ ንሰብኣዊ ረድኤት ዘገልግል ናጻን ውሑስን መንገድታት ክኽፈትን ተማሕጺኑ።

እቲ ግጭት መፍትሒ ክረክብን ኢትዮጵያ ድማ ጎደና ደሞክራሲ ክትሕዝን ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ኣስሚርሉ።

እንተኾነ፣ እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተዋህቦ መልሲ ኣይጠቐሰን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0