ጳጳስ ፍራንሲስ፣ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኩሉ ፍልልያቶም ኣወጊዶም ንሰላምን ምዕባለን ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዖም

Radio Erena: 05 February 2023
ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ጳጳስ ፍራንሲስ፣ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኩሉ ፍልልያቶም ኣወጊዶም ንሰላምን ምዕባለን ብሓባር ክሰርሑ ጸዊዖም።
ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ደቡብ ሱዳን ወግዓዊ ዑደት ንምፍጻም፣ ብዓርቢ 3 ለካቲት ናብ ከተማ ጁባ ኣብ ዝኣተዉሉ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲን፣ ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ኣካዪዶምሎም።
እቶም ጳጳስ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዕጹው ኣኼባ ድሕሪ ምክያዶም ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ደቡብ ሱዳናውያን መራሕቲ፣ ካብ ጽልኢን ቅርሕንቲን ርሒቖም፣ ንሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ተማሕጺኖም።
ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ መደረኦም፣ ‘ህዝቢ ደቡብ ሱዳን፣ ብሓበን ክዝረኩም ወይ ስምኩም ካብ ታሪኽ ደምሲሱ ካብ ዝኽሩ ከውጽኣኩም፣ ሕጂ ብእትወስዱዎ ውሳኔ እዩ ክምዘን’ ብምባል፣ ኣብ ጽባሕ ናጽነቱ ናብ ኲናት ሓድሕድ ንዝኣተወ ህዝቦም ብቕንዕና ከገልግሉ፣ ንሰበስልጣን’ታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቦም።
መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰብ ክኽበር ከምዘለዎ ደጋጊሞም ዘዘኻኸሩ ጳጳስ ፍራንሲስ፣ ብፍላይ ኣብቲ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ሪክ ማቻርን ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፣ ሓድሕድ ደም ምፍሳስን ምጥቕቓንን ደው ኣቢሎም ምስ ምሉእ ጸግኡ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ንዘሎ ህዝቦም ከገልግሉ ጸዊዖም።
ጳጳስ ፍራንሲስን ኣሰንዮሞም ዝገሹ ካልኦት ጳጳሳትን፣ ብሰንኪ ኲናት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆብ ስደተኛታት ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር ምብጻሕ ኣካዪዶም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0