ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፣ መ. ኤርትራ ንብረት ቤተክርስቲያን ምህጋሩ ዝቃወም ደብዳቤ ልኢኾም

Radio Erena: 13 June 2021

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንብረት’ታ ቤተክርስቲያን ዝኾነ ቤት ትምህርታትን ኣብያተ ሕክምናን ንምህጋሩ ዝቃወም ደብዳቤ ልኢኾም።

እቶም ጳጳሳት ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳቤ፣ በታ ቤተክርስቲያን ዝውነና ኣብያተ ትምህርቲ፣ ካብ ክፍሊት ናጻ ብዝኾነ ኣገባብ፣ ነቶም ብቁጠባ ዝደኸሙ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብ ምግልጋል ዝተዋፈራ ስለዝኾና፣ ንምህጋረን ብዘይካ ጽልኢ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት፣ ካልእ ዝኾነ ዝቐርብ ምኽኒያት ከምዘይህሉ ኣነጺሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2018 ጀሚሩ ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝውነና ኣብያተ ሕክምና፣ ቤት ትምህርታትን ካልኦት ናይ ረዲኤት ትካላትን ንብረትን ክህግር ምጅማሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ነተን ዝተረፋ ክሳብ መዋእለ ህጻናት ከይተረፈ ምህጋር ጀሚሩ ከምዘሎ ሃይማኖታውያን ትካላት ይሕብራ።

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን ብተወሳኺ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተወርሰን፣ ብሕጂ ክውረስ ኣብ መደብ ዘሎን ኩሉ፣ ሕጋዊ ዋንነት ቤተክርስቲያን ብምዃኑ፣ ክሳብ ናብ ዋንኡ ዝምለስ፣ ከይተሓለሉ ጥርዓኖም ክቕጽሉ ምዃኖም ሓቢሮም።

ካብ ፈለምኡ ዕላማ ምቛም ትካላት ወሃብቲ ጥዕናን ትምህርትን፣ ነቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከብ ህዝቢ ንምግልጋል እዩ ዝብሉ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ ምስ መንግስቲ ንምውድዳር ወይ ምጭራት ከምዘይኮነ ገሊጾም።

እቲ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተላእከ ደብዳቤ ኣብ መወዳእታ፣ ንህዝቢ ከገልግላ ዝቖማ ብዘይመኽሰብ ዝሰርሓ ትካላት ምዕጻውን ንብረተን ምህጋርን፣ ኣንጻር ረብሓ ህዝብን መሰረታዊ ምግሃስ ፍትሒን እዩ ብምባል ተቓውሞ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ይገልጽ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0