ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታትን መድሃኒትን ንህዝቢ የሻቕል

Radio Erena: 06 February 2017

Dukan Asmara

ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ፣ ርኡይ ስእነት መሰረታዊ መግብታትን መድሃኒትን ካብ ዘጋጥም ሓያሎ ዓመታት ኣቝጺርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብዶባት ብኮንትሮባንዳ ዝእቱ ዘሎ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ መግብታትን መድሃኒታትን ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታት፣ ካብ ዱካናት ሓሊፉ፣ እብ ኩለን ከተማታት ኤርታር ኣብ ጎደናታት ተሰጢሑ ክሽየጥ ምርኣይ ልሙድ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኮይኑ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እቲ ዝያዳ ዘሻቕል ከም መሕጸብ ስኒ፣ ፈውሲ ቃንዛን ካልእን ዝኣመሰለ መድሃኒታት ኣብ ጎደና ይሽየጥ ምህላዉ ምዃኑ ኣስሚሮም።

ብቕዓቱን ጥዕንኡን ዘይተረጋገጸ ከም ጸባ፣ ብሽኮቲ፣ ዘይትን ጽማቕን ዝኣመሰለ ዕሹግ መግብታት ብኮንትሮባንዳ ናብ ኤርትራ እናኣተወ፣ ኣብ ድኳናትን ጎደናታትን ክሽየጥ ምጽንሑ ብተደጋጋሚ ክግለጸ ጸኒሑ’ዩ።

ነዚ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ ዕሹግ መግብታት፣ ብፍላይ ቆልዑን መንእሰያትን ብብዝሒ ከህልኽዎ ስለዝርኣዩ፣ ወለዲ ኣብ ኣኼባ ምምሕዳራትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ስግኣቶም ክገልጹ ምጽንሖም’ውን እቲ ዝበዝሓና ዜና የረድእ።

መንግስቲ፣ ነዚ ብኮንትሮባንዳ እናኣተወ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዝሽየጥ ዘሎ ዕሹግ መግብታት፣ እናሃደነ ከምዘቓጽሎ፣ ሳሕቲ ኣብ ዜናታቱ ይገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝተዋፈሩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ኣብዚ ዘይሕጋዊ ናይ ኮንትሮባንዳ ንጥፈታት ብምውዋፋሮም ግና፣ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ መግብታትን መድሃኒታትን ብኮንትሮባንዳ እናኣተወ ፈቐድኡ ክሽየጥ ብዝሒ ይርአ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

Dukan

እቲ ኣውራ ጠንቒ ግና፣ ንዕዳጋ ከረጋግእ ዝኽእል እኹል ቀረብ መሰረታዊ መግብታትን መድኒታትን ኣብ ኤርትር ዘይምህላዉ ምዃኑ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣብ መወዳእታ ደምዲሞም።

ሳሕቲ ኣብ ኣብያተ መሸጣ መድሃኒት ንዝርከብ መሕጸቢ ስኒ ክሳብ150 ናቕፋ ከምዝሽየጥ ከም ኣብነት ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ብኮንትሮባንዳ ዝኣተወ ግና ኣብ ጎደናታት ካብ 50 ክሳብ 80 ናቕፋ ከምዝሽየጥ ገሊጾም።

ገሊኡ’ቲ ኣብ ዱኳናትን ጎደናታት ዝሽየጥ ዘሎ ናይ ኮንትሮባንዳ ዕሹግ መግብታትን መድሃኒታትት፣ ዝተሰነዐ ዝወድቐሉ ዕለት ክልጠፎ እንከሎ፣ እቲ ካልእ ግና ዝኾነ ምልክት’ውን የብሉን።

 

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0