ጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት ስጳኛ ኣብ ጅቡቲ በጺሑ

ጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት ስጳኛ ኣብ ጅቡቲ በጺሑ

Radio Erena: 25 June 2017

Spanish Army in Dj

ብጠቕላሊ ሓለቃ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ፈርናንዶ ኣሌሃንድረ ማርቲነዝ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ስጳን ኣብ ጅቡቲ ከምዝበጽሐ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ስጳኛ፣ ኣብቲ ናይ ጅቡቲ ዑደቱ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ሃገሩ ከምዝበጽሐ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ንእግረ መንገዲው’ን ምስ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ዝርርብ ከምዘካየደ ጠቒሶም።

ስጳኛ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝንቀሳቀሳ ንግዳውያን መራኽብ ኣብ ምሕላው ዘድሃበ፣ ኣካል ሰራዊት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ኣሃዱ ሓይሊ ኣየር ካብ 2008 ኣትሒዛ ኣብ ጅቡቲ ኣዋፊራ ትርከብ።

ሓይሊ ኣየር ስጳኛ፣ ካብቲ ናይ ጅቡቲ መዓስከሩ፣ ዝተራቐቓ ነፈርቲ ብምውፋር፣ ኣብ ስለያን ጸጥታን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስ ከምዝነጥፍ’ዩ ዝንገረሉ።

 

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0