ጠቕላሊ ሓለቃ ሰታፍ ሰራዊት የመን፣ ብሑቲ ካብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንስክላ ካብ ሞት ድሒኑ፣ ወዱን ወዲ ሓዉን ግና ተቐቲሎም

Radio Erena: 29 May 2020

ሑቲ፣ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት የመን ልዩተናንት ጀነራል ሳጊር ቢን ዓዚን ንምቕታል ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፣ ብውሕዱ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም።

በቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፣ ዞባ ማሪብ፣ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝተኻየደ ደብዳብ፣ እቲ ጀነራል ካብ ሞት ንስክላ ክድሕን እንከሎ፣ ናይ ወትሃደራዊ መኮነን ማዕረግ ዘለዎም ወዱን ወዲ ሓውን ግና ከምዝተቐትሉ መንግስታዊ ምንጭታት ዜና ኣረጋጊጾም።

እቶም ዝተቀትሉ ካልኦት ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ማዕረግ ዘለዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ምዃኖም እኳ እንተተመልከተ፣ መንነቶም ብዝርዝር ኣይተነጸረን።

መንግስቲ የመን፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብደብዳብ ሚሳይል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ ሞት ንስክላ ዝተረፈ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት የመን፣ ጀነራል ቢን ዓዚዝ፣ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ንምቕታሉ ዝተኻየደ ፈተነ መሊሱ ከምዘሓይሎ ብምጥቃስ፣ ንሑቲ ካብ መሬት የመን ንምጽራግ ዝካየድ ወትሃደራዊ ስርሒታት ከምዘሐይሎ ገሊጹ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ናብቲ ጀነራል ናይ ጽንዓት ይሃብካ መልእኽቲ ከምዝሰደደ ማዕከን ዜና ኣራብ ኒውስ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብሑቲ ከምዝተፈነወት ዝተሓበረት ሰብ ኣልቦ በራሪት ወይ ድሮን፣ ኣብ ዶብ የመን ኣብ እትርከብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ናጅራን፣ ብሓይልታት ልፍንቲ ተሃሪማ ከምዝወደቐት ኣፈኛ ሓይልታት ልፍንቲ፣ ስዑዳዊ ኮለነል ቱርኪ ኣል ማሊኪ ገሊጹ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0