ግጥማት ካፍ ብሰንኪ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት፣ ንኻልእ እዋን ተሰጋጊሩ

 ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኮንፈደረሽን ኣፍሪቃ ማለት ካፍ ነቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድኦ ናይ ጎባልል ምጽራይ ብሰንኪ ኤርትራ እትርከበን ሰለስተ ኣርባዕተ ሃገራት ንኻልእ እዋን ክሰጋገር ተሰማሚዑ።

    እቲ ጠንቂ፣ እዘን ሃገራት ኣብ ግጥማት ሴካፋ ንኽሳተፋ ግዜ ንኽወሃበን ዝብል እኳ እንተኾነ፣ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ግና ኣብቲ ኣብ ኡጋንዳን ዝካየድ ግጥም ምስታፈን ኣጠራጣሪ ኮይኑ ኣሎ።
    ብመሰረት እቲ ተሰሪዑ ዘሎ ግጥማት፣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኬንያ ድማ ምስ ብሩንዲ ክገጥማ’የን።
    ብመሰረት እቲ ካፍ ተሰማሚዑሉ ዘሎ ናይ ግዜ ምንዋሕ፣ ኣብ 30 ሕዳር ክካየድ ዝነበሮ ግጥም እዘን ሃገራት፣ ናብ 14ን 16ን ታሕሳስ ኣሰጋጊርዎ ኣሎ።
    ኣብ ኡጋንዳ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ናይ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ድማ ካብ 24 ሕዳር ክሳብ 6 ታሕሳስ ክካየድ’ዩ።
    ህድማ ተጻወቲ እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑዋ ዘሎ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ክትሳትፍ ድያ ኣይክትሳተፍን ኣዘራራቢ ነጥቢ ኮይኑ ኣሎ።
    ከም ዝፍለጥ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ሴካፋ ዝተሳተፈት ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ 13 ካብ ተጻወታ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0