ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት፣ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 09 August 2019

ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት፣ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ብወግዒ ክጅምር’ዩ።

ብመሰረት እቲ ካብ 16 ክሳብ 1 መስከረም ኣብ ዝሰላሰል፣ ግጥማት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሰለስተ ጉጅለታት ዝተኸፋፈላ፣ ብትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሙኦም ተጻወቲ ዝቖማ፣ 11 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ’የን።

ኣብ ጉጅለ ሓደ፣- ኤርትራ፣ ኬንያ፣ ብሩንዲን ሶማልያን፣ ኣብ ጉጅለ ክልተ፣-ኡጋንዳ፣ ርዋንዳ፣ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ጉጅለ ሰለስተ ድማ፣-ታንዛንያ፣ ሱዳንን ጅቡቲን ተደላዲለን ኣለዋ።

እቲ ግጥም፣ ኩዕሶ እግሪ እቲ ዞባ ንምትብባዕ ብፊፋ ዝተሰርዐ ናይ መጀምርያ ተበግሶ ኣብ ኣፍሪቃ’ዩ።

ኤርትራ፣ ኣብ 2010፣ ንግጥማት ሴካፋ ናይትሕቲ 20 ዓመት፣ ኣእንጊዳ ምንባራ ይዝከር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0