ግብጽን ሩስያን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ’የን

ግብጽን ሩስያን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ’የን

Radio Erena: 19 October 2018

Egypt Russia

ግብጽን ሩስያን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ ምዃነን ተሓቢሩ።

እዚ ዝሕበር ዘሎ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ሩስያ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ዛዚሙ ድሕሪ ምምላሱ’ዩ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዘካየዶ ርክብ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ምህናጽ መደበር ኑክሌሳዊ ጸዓት ዘተኮረ ስምምዕ፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ንዝጸንሐ ምትሕግጋዝ’ውን ክቕጽል ኣብ ዝብል ነጥቢ ተረዳዲኡ።

እቲ ካብ 24 ጥቅምቲ ኣትሒዙ፣ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ምሕዝነት ዝተሰምየ ተመሳሳሊ ክልተ ሓባራዊ ስልጠናታት’ዩ።

ግብጺ ብዘይካ ምስ ሩስያ፣ ኣቐዲማ ምስ ሓያሎ ሃገራት ዓረብ፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንታን’ውን ተመሳሳሊ ልምምዳት ምክያዳ ይፍለጥ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0