ግብጺ ኣብ ጉዳይ መስርሕ ሰላም ደ.ሱዳን ኣበርክቶ ንምግባር ቅርብቲ ምህላዋ ትገልጽ

ግብጺ ኣብ ጉዳይ መስርሕ ሰላም ደ.ሱዳን ኣበርክቶ ንምግባር ቅርብቲ ምህላዋ ትገልጽ

Radio Erena: 22 February 2018

sisi and south sudanግብጺ ኣብ ጉዳይ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣበርክቶ ንምግባር ቅርብቲ ከምዘላ ፕረዚደንት ዓብደለፈታሕ ኣልሲሲ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ማይክ ኣዪ ደንግ ዝምራሕ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ናብ ካይሮ ዑደት ብምክያድ፣ ካብቲ ፕረዚደንት ዝተላእከ ደብዳቤ ብ20 ለካቲት ኣብ ዘረከበሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

 ልኡኽ ደቡብ ሱዳን ብወገኑ፣ ሃገሩ ምስ ግብጺ ኣብ ኩሉ ዓይነት ጽላታት ዝምድና ክትምስርት ከምእትደሊ ኣረጋጊጹ።

ደቡብ ሱዳን ምስ ግብጺ ዝምድና ከተሐይል ከምእትደሊ ትገልጽ ዘላ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ዋንነት ዞባ ሓላይብን ምስሕሓብ ተፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ካብ 2011 ኣትሒዛ ካብ ሱዳን ተፈልያ ናይ ገዛ ርእሳ ናጽነት ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ’ቶም ካብ ዝተፈላለየ ዓሌታት ዝተወከሉ ሰበ ስልጣናታ ብዝተኸስተ ምግምማዕ፣ ጸጥታዊ ርግኣትን ሰላምን ከተውሕስ ኣይከኣለትን።

ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፣ ንመስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ብሓላፍነት ተረኪቡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0