ግብጺ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኢድ ከይተእቱ፣ ሓይልታት ሑቲ ኣጠንቂቖም

Radio Erena: 27 December 2022

ግብጺ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኢድ ከይተእቱ፣ ሓይልታት ሑቲ ኣጠንቂቖም።

ምኽትል ሚኒስተር ሑቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ግብጺ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝተረከበቶ ሓላፍነት ተጠቒማ፣ ኣብ የመን ምትእትታው እንተገይራ፣ ውጽኢቱ ከጣዕሳ እዩ ክብል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

ሑሴይን ኣል-ኢዚ ኣብ መግለጺኡ፣ ‘ንግብጺ ሕሉፍ ፍቕሪ ኣለና፣ እንተኾነ ስቓይ ህዝቢ የመን ዘናውሕ ኣብ ዘሎ ኲናት ምትእትታው እንተገይራ፣ ዓጸፌታ ካብ ምምላስ ኣይክንቁጠብን ኢና’ ኢሉ።

ኣብ መንጎ ኣል-ሑቲን መንግስቲ የመንን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ሻሙናይ ዓመቱ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፣ ሃገራት እቲ ዞባ እውን ነንረብሐአን ስለዝኣተወኦ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብን ወሽመጥ ዓደንን ዝካየድ፣ ሽበራዊ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ንብረትን፣ ከምኡ’ውን ቅርሰና ባሕሪ ዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንምቁጽጻር ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ክካየድ ዝጸንሐ ሓለዋ፣ ግብጺ ተረኪባቶ ምህላዋ ኣቐድም ኣቢሉ ተገሊጹ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0