ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ክልተ ደሴታት ንስዑዲ ክወሃባ ወሲና

Radio Erena: 02 January 2017

Islands

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ ትሕቲኡ ክመሓደራ ዝጸንሓ ክልተ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ኣካል ግዝኣት ስዑዲ ዓረብ ክኾና ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ንትግባረ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ከምዘመሓላለፎ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ሓቢሩ።

ቲራንን ሳናፊርን ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ ግብጺ ክመሓደራ ዝጸንሓ ክልተ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክምለሳ ዝብል እማመ ዝቐረበ፣ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ወርሒ ሚዝያያ ናይ 2016 ኣብ ዝኸተምኦ ስምምዕ’ዩ።

እንተኾነ፣ እተን ዴሴታት ልኡላዊ ኣካል ግብጺየን ብምብል ሓያሎ ፖለቲከኛታትን እታ ሃገር ድሕሪ ዘልዓልዎ ሕቶታት፣ ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ግብጺ ነቲ ስምምዕ ነጺግዎ’ዩ ጸኒሑ።

 ብፍላይ ድሕሪ’ቲ፣ ኣብ መንጎ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ብጉዳይ ሶርያ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ስዑዲ ናብ ግብጺ እትልእኮ ዝነበረት ነዳዲ ደብ ምባላን፣ናብቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ንኽበጽሕ ወኪል ንጉስ ምልኣኻን፣ እቲ ደሴታት ናይ ምርካብ ስምምዕ ክፈርስ ይኽእል’ዩ ክብሃል’ዩ ጸኒሑ።

እንተኾነ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ እተን ደሴታት ናብ ስዑዲ ክምለሳ ኣብ ዝብል ውሳኔኡ ጸኒዑ ከምዘሎን ንትግባረ ድማ ናብ ፓርላማ ከምዘሰጋገሮን ኣፍሊጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0