ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ክልተ ደሴታት፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይተረክብ፣ ምድንጓይ ትፈጥር

Radio Erena: 25 December 2022

ግብጺ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ዝጸንሓ ክልተ ደሴታት፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይተረክብ፣ ምድንጓይ ትፈጥር ኣላ ዝብል ክሲ ቀሪቡዋ።

እተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ደሴታት፣ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ እዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እየን ጸኒሐን።

ምምሕዳር ባይደን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት፣ ኣብተን ደሴታት ናይ መቆጻጸሪ ካሜራታት ተተኺሉ፣ ሰራዊት ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ክወጽእ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ እተን ደሴታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ክርከባ እዩ ትጽቢት ተገይሩ ኔሩ።

ቀንዲ ምኽኒያት ናይዚ ግብጺ እትፈጥሮ ዘላ ምድንጓያት ብወግዒ እኳ እንተዘይተነግረ፣ ምስቲ ኣመሪካ ንሰራዊት ግብጺ እትምውሎ ዝነበረት ፋይናንስያዊ ሓገዝ ብ10 ሚእታዊት ምጉዳሉ ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ፣ ተንተንቲ ፖለቲካ ይእምቱ።

ኣመሪካ፣ ናይ 1.3 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ፣ ዓመታዊ ንሰራዊት ግብጺ ትልግስ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ግና፣ 2% ናይቲ ሓገዝ ብሰንኪ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ዘመዝገቦ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክቑረጽ እንከሎ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከኣ ተወሳኺ 75 ሚልዮን ዶላር ተቖሪጹ እዩ።

ነዚ ተቖሪጹዋ ዘሎ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ንኽትረክብ እምበኣር’ያ ግብጺ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ጸቕጢ ንምፍጣር ነዘን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ክልተ ስትራተጂካውያን ደሴታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይተረክበን ትደናጎይ ዘላ፣ ክብሉ’ዮም እቶም ተንተንቲ ትዕዝብታቶም ዝገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0