ግብጺ ንዜጋታት ሱዳን እንተሰጕጓ፣ ሱዳን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 04 May 2017

Egy Suda

ግብጺ ንዜጋታት ሱዳን እንተሰጕጓ፣ ሱዳን’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምእትወስድ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኢብራሂም ጋንዶር ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ፣ ግብጺ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ዜጋታት ሱዳን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ተከብትን ንገሊኦም ከኣ ናብ ሃገሮም ትመልሶም ከምዘላ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ኣቐዲሙ ናብ ሃገሩ ንዝገሹ ዜጋታት ግብጺ መእተዊ ቪዛ ክሓቱ ዘገድድ ሓድሽ ሕጊ ከምዘውጽአ ዝዝከር’ዩ።

ይኹን’ምበር ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ቪዛ ሓቲቶም ካብን ናብን ኣብ ገሽሉ ዘለዉ እዋን’ውን፣ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሱዳን ጸቕጢ ትፈጥር ከምዘላ’ዩ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዝወቕስ።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ እናበኣሰ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪ ኣብ ካርቱም ብምብጻሕ ብዛዕባ’ቲ ዘሰሓሕቦም ዘሎ ጉዳይ ምስ ሱዳናዊ መዘንኡ ከምዝተዘራረበ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሱዳን ካብ ግብጺ ንዛቱ ኣሕምልትን ካልእ ፍርያት መግብን ዕንቕፋት ትገብረሉ ከምዘሎ ዝተፈላለ ማዕከናት ዜና ግብጺ ይጠቕሳ ኣለዋ።

ንሱዳንን ግብጽን ኣውራ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ፣ ዋንነት ናይቲ እባ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዝርከብ ዞባ ሓላይብ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0