ግብጺ ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ርክብ ኣካዪዳ

Radio Erena: 07 March 2021

ግብጺ ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ርክብ ኣካዪዳ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ምስ ኣቦ ወንበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ርክብ፣ ጉዳይ ዲጋ ተሓድሶ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝነበሮ ዘተ ምድስካሉ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።
ንሱ ብተወሳኺ ሃገሩ፣ ነቲ ብሱዳን ዝቐረበ ናይ መተዓረቒ እማመ ብደቂቕ ድሕሪ ምግምጋም ደጊፋቶ ከምዘላን ናይ መዛተዪ መካኒዝም ክህነጽ ከምዘለዎን ኣመልኪቱ።
ከምዝፍለጥ ግብጺ፣ ኣህጉራውያን ትካላት ብፍላይ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ብሓባር ዘቑምዎ ኣካል፣ ነቲ ናይ ሽምግልና መስርሕ ክሕዝዎ እያ ትጠልብ።
ግብጺ ተቕርቦ ዘላ ኣህጉራዊ ጻውዒት፣ ብህጹጽ ክትግበር እትደልየሉ ዘላ ምኽንያት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ክራማት በይናዊ ውሳኔ ብምውሳድ፣ ኣብቲ ዲጋ ማይ ከይተዕቁር ካብ ምስጋእ ዝተላዕለ ምዃኑ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0