ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕባ ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ናይል ብዝምልክት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ተመያይጣ

Radio Erena: 13 July 2021

ኢትዮጵያ፣ በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ዝካየደቶ ካልኣይ እብረ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ ዝተቓወመት ግብጺ፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዘትያ።

ብሰኑይ 12 ሓምለ ናብ ብራስለስ ዘምርሐ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሳምሕ ሾክሪ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኮሚሽነራትን ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ምምይያጥ ይርከብ።

እቲ ሚኒስተር ናብ ብራስለስ ዘምርሐ፣ ድሕሪ’ቲ ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብቲ ንሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ሓባራዊ ኣጠቓቕማ ናይል ብምድጋፍ፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ ክቕጽላ ዘለዎ እምነት’ዩ ገሊጹ።

ግብጽን ሱዳንን ግና ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ መዕለቢ ክበጽሓሉ ዘይክኣላ ጉዳይ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን’ውን ክሳተፉ’የን ዝጠልባ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይዚ ወርሒ ዘካየደቶ ካልኣይ እብረ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ፣ ብጽቡቕ ከምዝተሰላሰለ’ያ ሓቢራ።

ብዝሒ ማይ ኣብ ዘለዎ ክራማት ስለዝተኻየደ ድማ ኣብ ግብጺ ይኹን ሱዳን ዘስዕቦ ዋሕዲ ማይ ናይል ከምዘየለ ኣረዲኣ።

ግብጺን ሱዳንን ድማ ብኣንጻሩ፣ ኢትዮጵያ ብዘይ ዘተን ኣፍልጦን ሰለስቲኤን ሃገራት እትወስዶ በይናዊ ስጉምቲ፣ ኣቐዲሙ ንዝጸንሐ ስምምዕ ሓባራዊ ኣጠቓቕማ ናይል ዝጥሕስ’ዩ ክብላ ተቓውሞታትን ይገልጻ ኣለዋ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0