ግብጺ፣ 260 ኩንታል መድሃኒት፣ ብሓገዝ ናብ ሱዳን ልኢኻ

Radio Erena: 09 May 2019

ግብጺ፣ 260 ኩንታል ዝተፈላለየ መድሃኒት፣ ብሓገዝ ናብ ሱዳን ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፣ ነዚ ኣብ ህጹጽ መዓላታት ዘገልግል መድሃኒታት ብሓገዝ ትልእኽ ዘላ፣ ሱዳን ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ዋሕዲ ስትራቴጅያውያን መድሃኒታት ኣጋጢሙዋ ከምዘሎ ካብ ሆስፒታላት ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ኣጋጣሚ’ዩ።

እዚ ዋሕዲ መድሃኒታት፣ ቅድሚ ምውዳቕ ስርዓት ኣልበሺር ዘጋጠመ ኮይኑ፣ እቲ ስርዓት፣ መድሃኒታት ንኸይገዝእ ቅሙጥ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከምዘይብሉ’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ካብ ሃገራት ዓረብ ዝተለገሰ ቢልዮናት ዶላር፣ ሱዳን ንዝጸንሓ መሰረታዊ ናይ መግብን መድሃኒታትን ዋሕዲ ክፈትሓላ ኣይከኣለን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ዋሕዲ መድሃኒታት ብኢሱ ብምህላዉ፣ ግብጺ ከም መርኣያ ንህዝቢ ሱዳን ዘለዋ ደገፍ፣ ነዚ 26 ቶን ዝምዘን ዝተፈላለየ መድሃኒታት ብሓገዝ ክትልእኽ ከምዝወሰነት ትሕብር።

ይኹን’ምበር፣ እዚ ናይ ግብጺ ሓገዝ፣ ሓደ ክፋል ናይቲ ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝውሰድ ዘሎ፣ ንመሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ናብ ደምበኤን ናይ ምጽምባር ተበግሶ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ኣቐዲመን፣ ንሱዳን፣ 2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምእተመባጽዓ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0