ግብጺ፣ ካብ ዝመጽእ ዓመት፣ k9 howitzer ዝተባህላ መዳፍዕ ዝስከማ ዘመናውያን ታንክታት ከተፍሪ’ያ

Radio Erena: 21 July 2022

ግብጺ፣ ካብ ዝምጽእ ዓመት k9 howitzer ዝተሰምያ፣ መዳፍዕ ዝውንጭፋ ታንክታት ከተፍሪ ምዃና ንሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብምጥቃስ፣ መርበብ ዜና ዲፈንስ ሓቢሩ።

እታ ሃገር፣ ነተን ታንክታት ንምፍራይ ዝሕግዛ ብዝርከት ዝበለ ወትሃደራዊ ናውቲ ካብ ደቡብ ኮርያ ሸሚታ ምህላዋ ዝሓበረ እቲ መርበብ፣ ዝመጽእ ዓመት 67% ናይቲ ፍርያት ከምእትሽፍን ጠቒሱ።

ሚኒስተር ዴ’ታ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ፣ መሓመድ ኣሕመድ ሙርሲ፣ ንጋዜጣ ኣል ኣህራም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ነተን ታንክታት ንምፍራይ ዘገልግል ፋብሪካን ምስልጣን ዓቕሚ ሰብን ይሳለጥ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት፣ ናይ ኣስታት 1.7 ቢልዮን ዶላር ወትሃደራዊ ውዕል ምስ ደቡብ ኮርያ ዝፈረመት ግብጺ መብዛሕትኡ ኣብ ምፍራይ እዘን ታንክታትን ኣብ ዝባነን ዝጸዓን ኣስታት 200 መዳፍዓትን ከተውዕሎ’ያ።

እተን ታንክታት፣ ብዘይካ ‘ቲ 155 ሚሊሜተር ዝዓይነቱ መዳፍዓት፣ ዝተፈላለየ ካልእ ኣጽዋር’ውን ክዓጥቃ ይኽእላ’የን።

ነተን ታንክታት ናይ ምፍራይ ፍቓድ ዘለዎ፣ ‘ሃናዋ’ ዝተባህለ ናይ ደቡብ ኮርያ ኩባንያ፣ ናብ ግብጺ ቅድሚ2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ወትሃደራዊ ናውቲ ክልእኽን፣ ብመሰረት ስምምዕ ምስግጋር ቴክኖሎጂ ድማ ብመንግስቲ ግብጺ ዝውነን ትካል መስሪሑን ኣጋጣጡሙ ናብ ዕዳጋ ከውዕለንን ምዃኑ ንመርበብ ዜና ዲፈንስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብሸመተ ኣጽዋር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ግብጺ፣ ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት፣ ብቢዮልዮናት ዶላር ዝግመት፣ መራኽብ ኵናትን ነፈርቲ ውግእን ዝርከቦ ወትሃደራዊት ንዋት፣ ካብ ፈረንሳ፣ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣግዒዛ’ያ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0