ግብጺ፣ ኣብ 10 መዓልታት 49 ሰባት ብሞት ቀጺዓ

Radio Erena: 26 October 2020

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ 10 መዓልታት 49 ሰባት ብሞት ከምዝቐጽዐት፣ ሁማን ራይትስ ዎች ወቒሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ 3 ክሳብ 13 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲ 15 ሰባት ብጃምላ ብሞት ክቕጽዑ እንከለዉ፣ ብድምር ድማ 2 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 34 ሰባት ተቐቲሎም።

ዝበዝሑ ካብቶም ብሞት ዝተቐጽዑ ሰባት፣ ብፖለቲካዊ ናዕቢ ተኸሲሶም፣ ንሞት ተፈሪዶም ዝጸንሑ’ዮም።

13 ካብቶም ብጃምላ ዝተቀቐትሉ 15 ሰባት፣ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሖ ኮይኖም፣ ኣብቲ ቤት ምእሰርቲ ብዝተፈጸመ ቅትለት፣ ኣንጻሮም ተወስኺ ክሲ ድሕሪ ምምስራቱ’ዮም ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሞት ተቐጺዖም።

መንግስቲ ግብጺ፣ ብፖለቲካዊ ናዕቢ ዝኸሰሶም 10ታት ዜጋታት እታ ሃገር፣ ንሞት ፈሪድዎም ከምዘሎ ዘመልከቱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ደው ክብል ይጠልቡ ኣለዉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0