ግብጺ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝህነጽ ዲጋ መጽናዕቲ ከተዳሉ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ተገሊጹ

Radio Erena: 28 June 2021

ግብጺ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ንዝህነጽ ዲጋ መጽናዕቲ ከተዳሉ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ማዕከናት ዜና ካብ ካይሮ ሓቢረን።

እቲ ዲጋ፣ ንኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ጽሩይ ዝስተ ማይ ከባጽሕን ልዕሊ 10 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ድማ ከመንጩን ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ ሕርሻ፣ ዝስተ ማይን ጸዓትን ከገልግልት ተባሂሉ ዝህነጽ ዘሎ ናይ ደቡብ ሱዳን ዲጋ፣ ብግብጺ መጽናዕቲ ክካየደሉን ግብጺ ድማ ኣብ ሓያሎ ፕሮጀክታት ሓገዛ ከተበርክትን ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ፣ ብሚኒስተር ሃብቲ ማይን ሕርሻን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጁባ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ’ዩ።

ግብጽን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ መርገጺ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ከምኡ ድማ ዝተፈላለያ ጉዳያት ንምዝታይ ዘንቀደ፣ ላዕለዋይ ኮሚተ ክልቲኤን ሃገራት ዝመጽእ ወርሑ ኣብ ካይሮ ክካየድ መደብ ኣሎ።

ብወገን ደቡብ ሱዳን፣ ምክትል ፕረዚደንት፣ ጄምስ ዋኒ ኢጋ ዝመርሖ ጉጅለ ሚኒስራት ናብ ግብጺ ብምምራሕ፣ ምስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሙስጠፋ ማዳቡሊ ዝምራሕ ወኪል መንግስቲ ግብጺ ክዝቲ’ዩ።

ብጉዳይ ኣተቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ፣- ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውያን ጸጥታውን ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ምስ ጎረባብቲ ኢትዮጵያ ጽዑቕ ርክባት ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0