ግብጺ፣ ኣመሪካ ዘቋረጸቶ ልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትቕጽሎ ትልምን

ግብጺ፣ ኣመሪካ ዘቋረጸቶ ልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክትቕጽሎ ትልምን

Radio Erena: 25 August 2017

alsisi and trump

ግብጺ፣ ኣመሪካ ዘቋረጸቶ ናይ ልዕሊ ርብዒ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክቕጽል ትልምን ከምዘላ ተሓቢሩ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ንግብጺ ክወሃብ ተወሲኑ ዝነበረ 95.7 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ደው ኣብ ርእሲ ምባሉ፣ ኣብ ዝቕጽል ንኽወሃብ ዝተታሕዘ ናይ 195 ሚልዮን ዶላር ናይ ሓገዝ መደብ’ውን ክደናጎ’ዩ ወሲኑ ዘሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብሮቡዕ 24 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣመሪካ ነቲ ሃገዝ ደው ከተብሎ ምውሳና ከምዘሕዘኖ ብምግላጽ፣ እቲ ውሳኔ ንዝምድና ክልትኤን ሃገራት ብኣሉታ ከይጸሉ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

ምምሕዳር ትራምፕ ንግብጺ ክውሃብ ተወሲኑ ዝነበረ ሓገዝ ደው ክብል ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ግብጺ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስያዊ ገስጋስን እወታዊ ምዕባለታት ስለዘየረኣየት ምዃና ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ንሮይተርስ ገሊጾም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0