ግብጺ፣ ንሶማል ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ከተበርክት ድልውቲ ከምዘላ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 19 August 2021
ግብጺ፣ ንሶማል ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ከተበርክት ድልውቲ ከምዘላ ኣፍሊጣ።
እዚ ዝተገልጸ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል መሓመድ ሑሴን ሮብለ፣ ኣብ ካይሮ ወዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ ምዃኑ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሴን ሮብለን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ዝምድና ክልቴኤን ሃገራትን ብዛዕባ ክግበር ዝግበኦ ዲፕሎማስያዊ ምትሕግጋዝን ዘትዮም።
ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝምልከት ጉዳያትን ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።
ሑሴን ሮብለ ኣብዚ ናይ ግብጺ ዑደቱ፣ ምስ ኣቦ ወንበር ዓረብ ሊግ ኣሕመድ ኣቡልገይት እውን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ሶማል ምስ ሃገራት ዓረብ ዘለዋ ምድንጋጽ ብምርኣይ፣ ደገፍ ክገብረላ ወሲኑ ክብል’ውን መግለጺ ኣውጺኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0