ግብጺ፣ ተጠቀምቲ ፌስቡክ መንነት ወረቀት ከመዝግቡ ዝብል እማመ ተቕርብ

Radio Erena: 18 May 2017

Face Egy

መንግስቲ ግብጺ፣ ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሜድያታት ብፍላይ ድማ ፌስቡክ፣ መንነት ወረቐቶም ከምዝግቡ ዝብል እማመ ከምዘቕረበ CNN ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ብኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ተነዲፉ ኣብ ጋዜጣታት እታ ሃገር ዝቀረበ እማመ፣ ፌስቡክ ክጥቐም ዝደሊ ሰብ፣ መንነት ወረቐቱ ኣመዝጊቡ፣ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ምስ ዝወሃቦ ጥራይ’ዩ ናይ ፌስቡክ ሕሳብ ክኸፍት ዝኽእል።

ግብጺ፣ ነዚ ንምትግባር ድማ፣ ከም ፌስቡክን ትዊተርን ንዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝቖጻጸር፣ ዝተራቐቐ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ከተኣታቱ ምዃኑ’ና’ዩ እቲ ሓበሬታ ዝጠቕስ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ፌስቡክን ትዊተርን ምቁጽጻር ንምግባር ዝውጥን ዘሎ፣ ንሽበራ ከም ምኽንያት እኳ እንተቕረቦ፣ ህዝቢ ኣንጻሩ ተቓውሞታትን ናዕብን ከይውደብ እቲ ኣውራ ስግኣቱ ምዃኑ’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝጠቕሱ።

ኣብ ግብጺ ዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ብፌስቡክ ዝተወደበ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0