ጋዜጠኛታት ሱዳን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

ጋዜጠኛታት ሱዳን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 28 May 2015

sudan jour

ጋዜጠኛታት ሱዳን፣ ኣንጻር እቲ ብኣባላት ጸጥታ ዝተወስደ ሕታማታ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ናይ ምእካብ መስርሕ ተቓውሞ ኣካይዶም።

እቶም ጋዜጠኛታት፣ ብሰሉስ 26 ግንቦት ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ብምትእኽኻብ ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ‘ጋዜጠኝነት ገበን ኣይኮነን’ ዝብል ጭርኦ ብምልዓል፣ ነቲ መንግስቲ ኣንጻር ፕረስ ዝገብሮ ዘሎ ጎነጽ ኮኒኖም።

 

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ብሰኑይ 25 ግንቦት ናይ ዝተዘርግሐ ኣሽሓት ሕታማት ናይ 10 ጋዜጣታት ብሕቲ ከምዝኣከቡ ተሓቢሩ’ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ጸጥታ ብምውፋር ነቲ ተሓቲሙ ዝተዘርግሐ ጋዜጣታት ዝኣከብሉ ምኽንያት፣ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር እናገነነ ዝመጽእ ዘሎ ዓመጽ ደቂንስትዮ ብዝምልከት ጽሑፋት ብምስፋሩ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣርባዕተ ጋዜጣታት ሱዳን ድማ ንጥፈታተን ጠቕሊለን ደው ከብላ ብመንግስቲ ትእዛዝ ከምዝተዋህበን ጋዜጠኛታት እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ሱዳን፣ ዝተዘርግሐ ጋዜጣታት ብምእካብ ዝተፈልጠ ምዃኑ ዘመልከቱ እቶም ጋዜጠኛታት እዚ ናይ ሰኑይ ፍጽሜ ግና ብብዝሑ ፍሉይ ምንባሩ ገሊጾም።

==============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0