ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ባይዶዋ ደብዳብ ሞርታር ኣካዪዱ

ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ባይዶዋ ደብዳብ ሞርታር ኣካዪዱ

soattaጉጅለ ኣልሸባብ ህዝቢ ብጻዕቂ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢታት ከተማ ባይዶዋ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣፍሊጡ።
እቲ ብናይ ሞርታር ደብዳብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሆስፒታል ዝርከቦ ሓያሎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ትካላት ከምዘዕነወ ተገሊጹ።

በቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ሰባት ብልክዕ’ኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣህጉራውያን ለገስቲ ረዲኤት፣ ጋዜጠኛታት፣ በርጌሳውያን ኣመሓደርትን ኣባላት ዓቃብ ሰላምን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣፍሊጡ።
ብኢትዮጵያ፣ ዩጋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ጂቡቲን ኬንያን ዝቖመ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተደገፈ መንግስቲ ሶማልያ ንጉጅለ ኣልሸባብ ተቖጻጺሩዎ ካብ ዝነበረ ዝበዝሐ ከባቢታት እንተውጸኦ፣ እቲ ጉጅለ ሓሓሊፉ ናይ ቃጻ መጥቃዕታት ካብ ምክያድ ኣየቋረጸን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0