ጉጅለ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ልፍንቲ ሃገራዊ ምርድዳእ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 19 August 2022

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ኤርትራ ዘተ ከየካይድ፣ ብመንግስቲ ሱዳን ዝተኸልከለ፣ ጉጅለ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ልፍንቲ ሃገራዊ ምርድዳእ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ብሄረ ቤጃ ንዝተወከለ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ዝሓቖፈ ጉጅለ፣ ኣብቲ ንሃገራዊ ዕርቂን ሓድነትን ዝዓለመ ሃገራዊ ምርድዳእ ከምዘይሳተፍ ዝገልጽ ዘሎ፣ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዝተነድፈ ኣዋጅ፣ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ስለዘይተወከለ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ሓደ ካብ ኣባላት እቲ ጉጅለ፣ ሙባረክ ኣልኑር፣ ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብ ስምምዕ ሰላም ጁባ፣ ዝቐረበ ጠለባት ምብራቕ ሱዳን ክሳብ ዝማላእ፣ ኣብቲ ምርድዳእ ከምዘሳተፉ ሓቢሩ።

ንሱ፣ ገለ ካብቲ ዘቕረብዎ፣ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘነጽር ጠለባት ካብቲ ዝሓለፈ ኣዋጅ ከምዝተኣልየ ብምምልካት፣ እዚ ድማ ናይ መጻኢ ፖለቲካዊ መደባት ከይህልወናን፣ ካብ ማሕበራዊን ባህላውን ብዓቢኡ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ንኸይንሳተፍ ንምንጻልን ዝተገብረ’ዩ ክብል ወቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ እቲ ኣብ ኩሎም ጠለባት ክሳብ ዝማልኡ፣ ስምምዕ ምብራቕ ሱዳን ደስኪሉ ክጸንሕ ኣተሓሳሲቡ።

ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት፣ ካብ ፖለቲካዊን ልምዓታዊን መደባት ሱዳን ተነጺሉ ከምዘሎ ዝወቕሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምብራቕ ሱዳን፣ ምስ መንግስቲ ካብ ዘካየድዎ ስምምዓት ዛጊት ዝተዓወተ የለን።

እቲ ኣብ 2006 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ምብራቕ ሱዳን እንተኾነ’ውን፣ ዓመት ከይመልአ ምፍራሱ ኣይርሳዕን።

ምብራቕ ሱዳን፣ ብዘይካ’ቲ ምስ መንግስቲ ዘለዎ ምትፍናን፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ቀቢላታትን’ውን፣ ኣብ ሓድሕዶም ስኒትን ሓድነትን ከምዘይብሎም ይፍለጥ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ 2020 ዝተበጽሐ ስምምዕ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከተግብሮ እንተዘይጀሚሩ፣ ብናዚሪ ዝፍለጥ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ርእሰ ውሳኔ እቲ ዞባ ክእውጅ ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠንቒቑ’ዩ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ብሄራት እቲ ዞባ ዝኾነ ቤጃ፣ ርእሰ ውሳኔ እቲ ዞባ ክእውጅ ምዃኑ ዘጥንቀቐ፣ ቅድሚ’ቲ ኣብ መንጎ ቀቢላታቱ፣ ብፍላይ ድማ ቤን ዓሚርን ሃደንደዋን፣ ንዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት፣ ኣብ ኤርትራ ከካይድዎ ዝተመደበን ብመንግስቲ ሱዳን ዝተነጽገን ዋዕላ’ዩ ኔሩ።

ናዚር ቤጃ ዝርከቦም ሓያሎ ፖለቲከኛታት፣ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣማኢት ሰባትን፣ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተወደበ ዋዕላ ቀቢላታት ምብራቕ ሱዳን ንምስታፍ፣ ብ4 ነሓሰ፣ ዶብ ኣብ ዝሰግርሉ ዝነበሩ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ከምዝተዓግቱ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0