ጉዳይ ቪዛ፣ ንኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ተደጋጋሚ መሰናኽል ይፈጥር

ጉዳይ ቪዛ፣ ንኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ተደጋጋሚ መሰናኽል ይፈጥር

Radio Erena: 19 September 2017

eritrean cyclists

ጉዳይ ቪዛ፣ ንኤርትራውያን ፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ ተደጋጋሚ እዋን መሰናኽል ይፈጥረሎም ምህላዉ ምስ ስፖርት ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ነዚ ዝሓበሩ፣ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ መኽሰብ ደበሳይ፣ ኣብ ነርወይ ከተማ በርገን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 90 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ዘእቱ ቪዛ ብእዋኑ ብዘይምርካቡ፣ ጽባሕ ሮቡዕ 20 መስከረም ኣብ ዝሰላሰል፣ ናይ ውልቂ ውድድር ግዜ ምቅድዳሙ ኣጠራጣሪ ጌርዎ ብምህላዉ’ዩ።

ኣብዚ 31 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ዘለዎ ንምሽፋን ንሮቡዕ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ክሳተፉ ምዃኖም ተሓቢሩ እኳ እንተሎ፣ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ዝቀዳደም መኽሰብ ደባሳይ ግና ጉዳይ ቪዛ ኣደናጕዩዎ ይርከብ።

 

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሰንኪ ናይ ቪዛ ጸገም ካብ ወርቃዊ ዕድላት ክዕንቀጹ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ተርእዮ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ብደረጃ ዓለም ግኑን ስም ዘትረፈ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ 2013፡ ቪዛ ስለ ዝተሓረሞ፡ ን6 ኣዋርሕ ካብ ውድድር ተኣልዩ፡ ኣብ ኣስመራ ኮፍ ክብል ተገዲዱ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም።

ብዘይካ’ዚውን፣ ሜሮን ተሾመ፡ መትከል እዮብን፡ ተስፎም ዑቅባማርያምን፡ ኣብ 2014 ናብ’ቲ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI) ዝምወል፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ማእከል መሰልጠኒ ብሽክለታ ዓለም ንኽጽንበሩ ዕድል ተዋሂብዎም ከብቅዕ፣ ኣብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ኤምባሲ ስዊዘርላንድ ግና ቪዛ ስለዝነጸጎም፣ ናብቲ ማእከል ክጽንበሩ ኣይከኣሉን።

ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ብዘይካ ናብ ሒደት ሃገራት ናብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም ብዘይ ቪዛ ከንቀሳቕስ ዘይክእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ሓደ ካብቲ ዝደኸመ ፓስፖርታት እናተባህለ’ውን’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብዚ ኣብ ነወርይ ዝካየድ ዘሎ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ዘይመሳተፊኡ ምኽንያት፡ ኣብ ኣጻብዕቱ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መስበርቲ ምዃኑ፡ ብመንገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብሰሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቱር ኦስትርያ ዘጋጠሞ መስበርቲ ኣጻብዕቲ፡ ክልተ ግዜ መጥባሕቲ ከም ዘካየደን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ ቮልታ ስጳኛ፡ ሻምፕዮን ዓለምን ካልኦት ውድድራትን ክቦክር ከም እተገደደ፣ እቲ ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0