ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

Radio Erena: 30 December 2021

ግዜ ንእስነቱ ኣብ ምቅላስ ንናጽነት ኤርትራ ዝበጀወ ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ መበል 83 ዓመት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልየ ተገሊጹ።

ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ኣብ 1964 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ሓላፊ 4ይቲ ክፍሊ ኮይኑ ዘገልገለ፣ ድሒሩ ድማ ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እዩ ኔሩ።

ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ካብ 1977 ክሳብ 1987 ከም ዋና ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ከም ሚኒስትሪ ፍትሒ ዝርከብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ብሓላፍነት ኣገልጊሉ።

ንሱ ኣብ 1994 ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ብምእላይ ዝበዝሐ ግዜኡ ከም ሽማግለን ሲቪልን ብምዃን እዩ ውልቃዊ ሂወቱ ክመርሕ ጸኒሑ።

ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ብዘካየዶ ቃልሲ ብሓያሎ ዝነኣድን ዝኽበርክ’ኳ እንተኾነ ሓያሎ ካልኦት ድማ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ተነፊጉዎ እናረኣየ ሱቕ ብምባሉ ይነቕፍዎ።

ሓያሎ ድማ፡ ናጽነት ኤርትራ ገና ሓድሽ እናሃለወ፣ ዓቕምን ተፈታውነት ህዝብን እናሃለዎን ኣብ 1994 ብፍቓዱ ካብ መዝነት ምእላዩ፣ ዘይተነግረ ምኽንያትን ምስጢርን ከምዘሎ ይግምቱ። ገለ’ውን ካብ ስልጣን ምእላዩ ንባዕሉ ተቓውሞ ከምዝነበረ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0