ጅቡት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምቋም ምስ ቻይና ስምምዕ ከቲማ

ጅቡት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምቋም ምስ ቻይና ስምምዕ ከቲማ

Radio Erena: 22 January 2016

China Dj

ጅቡት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምቋም ምስ ቻይና ሓድሽ ስምምዕ ከምዝኸተመት ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ፣ እቲ ኣብ ከባቢ ወደብ ጅቡቲ ዝቐውም ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ 48 ትርብዒት ኪሎሜተር’ዩ።

እቲ 1.5 ትርብዒት ኪሎሜተር ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት’ዚ ተሃኒጹ ኣብ ግብሪ ክውዕል ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ዘለዎ ድሌት ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ኣብ ጅቡቲ ዝቐውም ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ባንክታት ቻይና ኣብታ ሃገር ንኽነጥፋ ሰፊሕ ዕድላት ዝፈጥር ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

 

ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን ቻይና ኣብ ጅቡቲ መከፋፈሊ ናይቲ ብመራኽብ እተጓዓዕዞ ኣቑሑ ንምቛም መደብ ከምዘለዋ’ውን ምስዚ ዜና’ዚ ተተሓሒዙ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት።

ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካን ፈረንሳን፣ ቻይና’ውን ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንኸተቕውም ከምዝተሰማምዐት ኣቐዲሙ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ቻይና ከኣ ኣምሳያ ናይቲ ኣብ ጅቡቲ እተቑሞ ወትሃደራዊ መዓስከር ነታ ሃገር ኣብ ምስፋሕ ኣገልግሎት ወደብ፣ ምምስራት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ምዝርጋሕ መጓዓዝያ ባቡርን ካልእ ልምዓታዊ ንጥፈታትን ከምእትሕግዛ’ዩ ዝግለጽ።
==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0