ጅቡትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብጉዳይ ስምምዕ ወደብ ይሰሓሓባ

ጅቡትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብጉዳይ ስምምዕ ወደብ ይሰሓሓባ

Radio Erena: 09 August 2018

port djiboutiጅቡቲ፣ ብጉዳይ እቲ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ስምምዕ ወደብ ኣመልኪቱ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን ነጺጋቶ።

ሚኒስስትሪ ጉዳያት ወጽኢ ጅቡቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ናይ ዱባይ DP world ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ዝኣተዎ ውዕል ኣርባሒ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምውሳኑ ኣህጉራዊ ሕግታት ተኸቲሉ ከቛርጾ ከምዝወሰነ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ ቅነ’ዚ ኣብ ለንደን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኣገልግሎታት ወደብ ዝነጥፍ DP World ናይ ዱባይ፣ ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ዝተፈተነ ናይ ዕርቅን ሽምግልናን መስርሓት ክዕወት ብዘይምኽኣሉ፣ ነቲ ጉዳይ ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሕዎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ ድማ፣ DP World ኣብ ወደብ ጅቡቲ ናይ ዝተኸሎ ስትራቴጃዊ መሳርሒታት ወደብ ዋንነት ከምዘለዎ’ዩ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር ጅቡቲ፣ ነቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ከምዘይትቕበሎ ብምጥቃስ፣ ብመሰረት እቲ ዝነበረ ስምምዕ፣ ንናይ ዱባይ ኩባንያ ዝግብኦ ካሕሳ ብምኽፋል፣ ኣብቲ ወደብ ዝኾነ ዋንነት ከምዘይህልዎ ኣረጋጊጻ ኣላ።

ብመሰረት’ቲ ጅቡትን DP Worldን ኣብ 2006 ዝኸተምዎ ስምምዕ፣ 67% ዋንነት ምሕደራ ወደብ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ጅቡቲ ክኸውን እንከሎ፣ 33% ናይቲ ኩባንያ’ዩ ኔሩ።

እንተኾነ፣ እቲ ናይ ሕቡራት ኢማራት ትካል፣ ናይ ዕዳጋ ዓብላልነት ንምርግጋጽ፣ ነቲ ወደብ ትሕቲ ዓቕሙ ከምዝሰርሕ ጌርዎ ብምባል’ዩ መንግስቲ ጅቡቲ ነቲ ስምምዕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰሪዝዎ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0