ጅቡቲ፣ ኣብ ናይ ባይቶ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ

ጅቡቲ፣ ኣብ ናይ ባይቶ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ

Radio Erena: 28 February 2018

djibouti

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ባይቶ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ን58 ናይቲ 65 ሓፈሻዊ መናብራት ባይቶ ከምዝተዓወተሉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣስታት 194 ሽሕ ኣድመጽቲ ከምዝተሳተፍዎ ዝተነግረሉ ብዓርቢ 23 ለካቲት ዝተኻየደ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ን90 ሚእታዊት ናይቲ መናብር ከምዝተዓወቶ እኳ ይገልጽ እንተሎ፣ ተቓወምቲ ሰልፍታት ግና ንውጽኢት እቲ ምርጫ ነጺጎሞ ኣለዉ።

ናብታ ሃገር ተዓዛቢ ጉጅለ ዘዋፈረ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ’ቲ መስርሕን ውጽኢትን እቲ ምርጫ ምሉእ ጸብጻቡ ኣየቕረበን።

ካብ 1999 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ዝመርሖ ሰልፊ ብዘይካ ኣብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ፣ ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ምሉእ ናይ ድምጺ ደገፍ ከምዝረኸበ’ዩ ዘመልክት።

ኣብ ርእሰ ከተማ ጅቡቲ ግና ተቓወምቲ ሰልፍታት 7 መናብር ከምዝረኸቡ ተሓቢሩ።

ሰለስተ ሰልፍታት እታ ሃገር ድማ ንግልጹነት መስርሕ እቲ ምርጫ ብምቅዋም፣ ኣቐዲመን ሕጹያተን ካብ ምቕራብ ተቖጢበን።

ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር፣ ካብ 65 ሓፈሻዊ መናብር ባይቶ እታ ሃገር፣ 15 ንደቂንስትዮ ዝተሓዝ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0