ጂቡቲ፣ ኣስመራ ካብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ዝቦኸረትሉ ምኽንያት “ፖለቲካዊ’ዩ” ተባሂሉ

Radio Erena: 18 August 2019

ጂቡቲ፣ ካብ 16 ነሓሰ ኣትሒዙ፣ ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ሴካፋ ካብ ምስታፍ ቦኺራ።

እታ ሃገር፣ 11 ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ክሳተፍኦ ምዃነን ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ከምዝቦኸረት ንኣዳላወቲ ኮሚተ ብወግዒ እኳ እንተፍለጠት፣ ዘይትሳተፈሉ ምኽንያት ግና ኣየነጸረትን።

ጂቡቲ ካብቲ ክሳብ 1 መስከረም ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ግጥም ሴካፋ ዘይተሳተፈትሉ ምኽንያት ብሰንኪ ስእነት ባጀት ምዃኑ ዝጠቕሱ ኣለዉ።

ይኹን’ምበር እታ ሃገር፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ነቲ ውሳኔ ዝወሰደትሉ ምኽንያት፣ ፖለቲካዊ ምዃኑ ካልኦት ወገናት የረድኡ።

ምስ ታንዛንያን ሱዳንን ኣብ ጉጅለ ሰለስተ ተመዲባ ዝነበረት ጂቡቲ፣ ካብዚ ናይ ኣስመራ ግጥም ድሕሪ ምስሓባ፣ እቲ ምድብ ኣብ ክልተ ጉጅለታት ዳግመ ምትዕርራይ ክግበረሉ’ዩ ተገዲዱ።

መራሕቲ ኤርትራን ጂቡቲን ንምቅርራብ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድን ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑዲን ዝተወስደ ተበግሶ፣ ከምቲ ዝተሓስቦ ክቕጽል ኣይከኣለን።

ፕረዚደንታት ኤርትራን ጂቡቲን፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘካየድዎ ፈላሚ ርክብ፣ ካብን ናብን ኣስመራ ጅቡቲ ክበጽሑ መደባት እኳ እንተነበረ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕባ ከባቢታት ናይ መወዳእታ ውሳኔ ከይተዋህቦ፣ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ናብ ንቡር ክምለስ ኣይክእልን’ዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ ምጽንሑ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0