ጂቡቲ ንላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ሶማል ኣሲራ ክብል ፕረዚደንት ሶማል ወቒሱ

Radio Erena: 20 September 2021

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ንላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ሶማል ኣሲሩ ኣሎ ክብል ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆ ወቒሱ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል፣ ብ17 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ‘ኣብ ናይ መልሲ ጉዕዞ ናብ ሞቛድሾ ኔሩ’ ንዝበሎ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ፋሃድ ያሲን ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን ስለያ ሶማል፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጂቡቲ ከምዝኣሰሮም ጠቒሱ።

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ንኹሎም እቶም ዝኣሰሮም ሶማላውያን ክፈትሕን ጉዕዞም ክቕጽሉ ብሰላም ከፋንዎምን መግለጺ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል ኣብ መወዳእታ ጸዊዑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፣ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱል፣ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ዝርዝር ሓበሬታ ከይሃበ፣ ንጂቡቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ክትኣቱ ዝደፍአን ዘደናግርን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተዘርጊሑ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ሃገሩ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሶማል ደው ከምእትብልን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ግና ከምዘይትኣቱን ኣስሚርሉ።

ሶማላውያን ዝርከብዎም ገያሾ ጽዒና ካብ ጂቡቲ ክትብገስ ዝነበራ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ካብ ጂቡቲ ዘይተፋነወትሉ ምኽንያት ድማ ቴክኒካዊ ጸገም ምዃኑ፣ ሓበሬታ ናይቲ ሚኒስተር ኣገንዚቡ።

እንተኾነ፣ እቲ ሚኒስተር፣ ብዛዕባ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል፣ ፋሃድ ያሲን ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይጠቐሰን።

ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሑሰን ሮብለ፣ ምስ ቅትለይ ናይታ ናብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል ኣፍልጦ ኔርዋ ዝተባህለት ኣባል ስለያ ብዝተሓሓዝ ንሓላፊ ስለያ፣ ፋሃድ ያሲን፣ ካብ ስልጣኑ ሰጕግዎ’ዩ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ድማ፣ ስጉምቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅዋማዊ ኣይኮነን ብዝብል ተቓውሚዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር’ውን ክድረት ኣዚዙ።

ኣብ መንጎ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ስልጣኑ ከረክብ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ፕረዚደንት ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ነታ ድሮ’ውን ጸጥታዊ ድሕነታ ከተውሕስ ዘይከኣለት ሃገር ናብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ቁርቁስን ናይ ስልጣን ሃጓፍን ከይሸማ ተሰጊኡ ኣሎ።

===============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0