ጂቡቲ ምስ ቀጠር ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ዝምድንኣ ናብ ንቡር መሊሳ

Radio Erena:02 December 2021

ጂቡቲ ምስ ቀጠር ኣዛሕቲላቶ ዝጸንሐት ዝምድና ናብ ንቡር ከምዝመለሰት ተገሊጹ።

እታ ሃገር ነቲ ካብ 2017 ኣቲሒዛ ኣደስኪላቶ ዝጸንሐት ዝምድና ምስ ቀጠር ናብ ንቡር ከምዝመለሰቶ ዝግለጽ ዘሎ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ዝመርሖ ላዕለዋይ ኣካል መንግስቲ ብ01 ታሕሳስ ምስ ኣሚር ቀጠር ታሚም ቢን ሓማድ ምስ ተራኸበ’ዩ።

ፕረዚደንት ገለ፣ ኣብ ቀጠር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ብዘይካ’ቲ ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ዝምድና ናብ ንቡር ምምላሱ፣ ኣብ መንጎ ክልኤን ሃገራት ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝነበረ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ዳግም ምብርራቡርን ብዝያዳ ንምዕባዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ’ውን ምስ ኣሚር ታሚም ተመያይጡ።

ጂቡቲ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣብ 2017 ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዝተራእየ ምክፍፋል፣ ጸግዒ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምሓዝ፣ ዝምድንኣ ምስ ቀጠር ኣዛሕቲላ’ያ ጸኒሓ።

ነዚ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ምስ ጂቡቲ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ተመሳሳሊ መርገጺ ብምሓዙ፣ ቀጠር ኣብ ‘ዘን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጀመረቶ ናይ ዕርቂን ሽምግልናን ተበግሶ ደው ከምዘበለት ምግላጻ እይርሳዕን።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን፣ ኣብ ግንቦት 2008 ኣብ ዝተኻየደ ዶባዊ ግጭት፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ሓያሎ ወትሃደራት ክማረኹ እንከለዉ፣ ኤርትራ ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጂቡቲ ምሕባር ኣብያ ብዝብል፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናብ ዕርቂን ሽምግልናን ክብጻሕ ከምዘይካለ’ዩ መንግስቲ ጂቡቲ ትገልጽ፡

ኣብ 2018 ብመንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈተነ ናይ ዕርቂ ተበግሶ’ውን ክዕወት ኣይከኣለን።

መራሕቲ ኤርትራን ጂቡቲን ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብኣካል ክራኸቡ እኳ እንተኸኣሉ፣ ስምምዕ ሰላም ይኹን መስርሕ ሽምግልና ኣብ ጉዳይ ዶብ ግና ርሑቕ ከምዘሎ ብወገን ጂቡቲ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0