ጂቡቲ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ንሓሙሻይ እዋኑ ክዕወተሉ ምዃኑ ዝተገመተ ምርጫ፣ ዓርቢ 9 ሚያዝያ ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 07 April 2021

ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽእሎ ምርጫ፣ ንዓርቢ 09 ሚያዝያ ከካይድ’ዩ።

ኣብ 1999፣ ስልጣን ካብ ኣኩኡ ሓሰን ጉለት ኦፕቲዶን ዝተረከበ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ኣብ ዝተኻየደ ኣርባዕተ ፕረዚደንታዊ ምርጫታት፣ ንሱ ጥራይ’ዩ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ድማ ንመበል ሓሙሻይ ግዜኡ ክዕወት ምዃኑ ብኣግኡ ተገሚቱ ኣሎ።

ወዲ 73 ዓመት ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ስልጣን ናይ ምስግጋር መደብ ከምዘይብሉ ዝነቕፍዎ ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባት፣ ኣብዚ ዓርቢ ዝካየድ ምርጫ’ውን “በይኑ ተወዳዲሩ በይኑ ክዕወት’ዩ።” ክብሉ ይገልጽዎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ሃገራት፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ ድማ ብ22 ዓመታት ካልኣይ ተሰሪዑ ይርከብ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ድማ፣ ን35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐን ንተወሳኺ 5 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ድማ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተዓወተን ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0