ጂቡቲ፣ ኣብ ወደብ ታጁራ፣ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተኻይዱ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ገሊጹ

Radio Erena: 21 January 2021

ኣብ ጂቡቲ፣ ወደባዊት ከተማ ታጁራ፣ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ኣባል ሰራዊት ክቕተል እንከሎ፣ ሰለማውያን ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እቲ ብ15 ጥሪ፣ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብሽበራውያን ጉጅለታት ከምዝተፈጸመ’ዩ ወቒሱ።

ይኹን’ምበር፣ እቶም ሽበራውያን ጉጅለታት ዝበሎም ኣካላት ኣየነጸረን።

ጂቡቲ፣ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፣ ክልዓል ካብ ዝኽእል ተቓውሞታትን ናዕብን ብምስጋእ ሓይልታት ጸጥታ ብብዝሒ ኣብ ምውፋር ከምዘላ’ዮም ተቓወምቲ ወገናት ዝገልጹ።

ካብ 1999 ኣትሒዙ፣ ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብዚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ምርጫ፣ ንመበል ሓሙሻይ ግዜኡ ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ’ዩ።

ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ፣ ንሽቶ ሃገረ ጂቡቲ፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰራዊት ብብዝሒ ካብ ዝዓስከሩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት’ያ እትስራዕ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0