ጂቡቲ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብሰለማዊ መንገዲ ክፍታሕ ጸዊዓ

Radio Erena: 17 November 2020

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብሰለማዊ መንገዲ ክፍታሕ ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠት፣ ብኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ዝምራሕ ልኡኽ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ንምምይያጥ ናብ ጂቡቱ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ ርክብ፣ ጂቡቲ ብ15 ሕዳር ኣብ ዘውጻቶ ወግዓዊ መግለጺ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንእትምራሕን ሓድነታ ዝዓቐበትን ኢትዮጵያ ዘለዋ ደገፍ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ግና ብሰለማዊ መንገዲ ጥራይ ከምዝፍታሕ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ነቲ ኵናት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ተበግሶታት እንተተወሲዱ፣ መንግስቲ ጂቡቱ ንምሕጋዝ ቅሩብ ከምዘሎ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኵናት ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ክድግፍ ብወግዒ እንከሎ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ንሰላም ከምዝድግፍ እኳ እንተተሓበረ፣ ንጹር መርገጺ ግና ኣየውጽአን።

ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሶማል፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን’ውን፣ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ብሰለማዊ መንገዲ ጥራይ ከምዝፍታሕ’የን ዝግለጻ ዘለዋ።

ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ ሰላም ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምውሓስ ላዕልን ታሕትን ክብል ዝተራእየ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንዝተወልዐ ኵናት፣ ብሰለማዊ መንገዲ ንኽፍታሕ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ንዝቐርበሉ ዘሎ ጻውዒት ክቕበል ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ብማዕከናት ዜና ዓለምን ካልእ መንገድታትን ነቐፌታ ይውሕዞ ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0