ጂቡቲ፣ ንሳልስቲ ብዝወረደ ሓያል ዝናብ ሓደ ስድሲት (1/6) ካብ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ

Radio Erena: 28 November 2019

ኣብ ጂቡቲ፣ ካብ 21 ክሳብ 24 ሕዳር ኣብ ዝወረደ ሓያል፣ ዝናብ ልዕሊ 150 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

በቲ ኣስታት 40 ሽሕ ስድራቤታት ዘመዛበለ ናይ ዝናብን ውሕጅን ሓደጋ፣ ሽዱሽተ ቆልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ከምዝሞቱ’ውን ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ ገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ጅቡቲ ጥራይ፣ ኣሽሓት ኣባይቲ ፈሪሶም፣ ህዝቢ ናብ ግዝያዊ መጽለሊታት ክሰጋገር ክኢሉ እኳ እንተሎ፣ ህጹጽ ኣህጉራዊ ሓገዝ ከምዘድሊ ዝተፈላለያ ትካላት ካብታ ሃገር ይምሕጸና።

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ግዳያት እዚ ባህርያዊ ሓደጋ ዝኾኑ ዜጋታቱ ዝሕገዝሉ 15 ማእከላት ከፊቱ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ንሳልስቲ ብዘይምቁራጽ ዝወረደ ዝናብ፣ ኣብ ዓመት ካብ ዝምዝገብ ብዝሒ ዝናብ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛየደ ምዃኑ ክኢላታት ሜትዮሮሎጂ ኣረዲኦም።

ኣስታት 960 ሽሕ ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፣ ብገምጋም ዓመታዊ ኣስታት 100 ሚሊሜተር ዋሕዚ ዝናብ’ያ ተመዝግብ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0