ጂቡቲ፣ “ናብ ኤርትራ ክኸድዕ ሓሲቡ” ዝብል ክሲ ተመስሪትሉ ዘሎ ፓይሎት ንኽፍታሕ ዝጽውዕ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣስታት 200 ሰባት ተኣሲሮም

Radio Erena: 11 June 2020

ኣብ 20 ሚያዝያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሲሩ ብግዴታ ናብ ጂቡቲ ዝመለሶ፣ ፓይሎት ሓይሊ ኣየር ጂቡቲ፣ ክፍታሕ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣባላት ስድራቤቱ፣ ግዱሳትን ተሓለቕቲ መሰልን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣስታት 200 ዝኾኑ ካብኣቶም ከምዝተኣስሩ፣ ጠበቓ እቲ ፓይሎት ዛካርያ ዓሊ ንሮይተርስ ኣረጋጊጹ።

ናይ ልዩተናንት ማዕረግ ዘለዎ ፎኣድ ዮሱፍ፣ ብፕረዚደንት ዑመር ገለ ዝምራሕ መንግስቲ ብምቅዋም፣ ነፋሪት ሒዙ ብ27 መጋቢት’ዩ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዑቕባ ሓቲቱ።

እንተኾነ፣ ተሸላሚ ስልማት ኖቤል ዝኾነ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ጂቡቲ ዘለዎ ረብሓ ከይከስር ስለዝፈርሐ እቲ ፓይሎት ተኣሲሩ ናብ ዓዱ ክምለስ ስለዝኣዘዘ፣ ብ20 ሚያዝያ ብግዴታ ናብ ዓዱ ተመሊሱ፣ “ጋቦድ” ኣብ ዝተባህለ ማእሰርቲ ተዳጕኑ ይሳቐ ከምዘሎ ስድራቤቱ ይጣበቑ።

ዘለዎ ኩነታት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ድሕሪ ምዝርግሑ፣ ስድራቤቱን ግዱሳት ተሓለቕቲን ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ፣ እንተኾነ ሓይልታት ጸጥታ ጎነጽ ተጠቂቖም ንብዙሓት ከምዝኣሰሩ ፓሪስ ዝመደበሮም ተጣበቕቲ መሰል ዜጋታት እታ ሃገር ኣገንዚቦም።

ብ13 ግንቦት ክበጽሖ ከምዝኸኣለ ዝሓበረ ጠብቕኡ፣ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ግፍዕታት ይወርዶ ከምዘሎን ኣብ ኣካላቱ በሰላታት ስቓይ ከምዘለዎን ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር፣ ኣኽባር ሕጊ ጂቡቲ፣ ጃማ ሱሌይማን፣ እቲ ፓይሎት ነፋሪት ሒዙ ናብ ጸላኢት ዝበላ ኤርትራ ክኸድዕ ብምሕሳቡ ተኸሲሱ ከምዘሎ እኳ እንተረጋገጸ፣ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ መርመራ ኣካላዊ ይኹን ስነኣምሮኣዊ ስቓይ ይበጽሖ ኣሎ ንዝብል ወቐሳ ነጺግዎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0