ጂቡቲ፣ መኸዘንን መጻረዩን ነዳዲ ዝርከቦ ኢንድስትርያዊ ፓርክ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 04 September 2020

ጂቡቲ፣ መኸዘብንን መጻረዩን ነዳዲ ዝርከቦ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ክትሃንጽ’ያ።

እቲ ኣብ ዳመርጆግ ዝርከብ ፕሮጀክት፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር እስማዒል ዑመር ገለ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት መሻርኽትን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብ2 መስከረም’ዩ ብወግዒ ክህነጽ ተበጊሱ ዘሎ።

እቲ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ክውድእ ከምዝኽእል ዝተገልጸ ፕሮጀክት፣ ዓበይቲ ፋብሪካታት ሓጺን፣ ሰሜንቶን ፕላስቲክን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ መጸገኒ መራኽብ፣ ሃብቲ ዓሳን ካልእን ንጥፈታት ባሕሪን’ውን ክህልዎ’ዩ።

እቲ መዘናግዒ ማእከላት፣ መዕረፊ ኣጋይሽንን ኣብያተ ጽሕፈታትን ዘጥቓልል ግዙፍ ፕሮጀክት፣ ንጂቡቲ ማእከል ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምግባራ ዝዓለመ ምዃኑ ተጠቒሱ።

ምህናጽ እቲ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ብፍላይ ነታ 95% ኣገልግሎታት ወደብ ኣብ ጂቡቲ እትምርኮስ ኢትዪጵያ፣ ብዙሕ ተስፋታት ክህባ ምዃኑ ይትንተን።

ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣቐዲመን፣ ብመራኽብ ዝመጸ ነዳዲ፣ ብሻምብቆታት ካብ ወደብ ዳማርጆግ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝውሕዘሉ መንገዲ ይዝትያ ኔረን’የን።

እዚ ጂቡቲ ክትሃንጾ መዲባ ዘሎ ፕሮጀክት፣ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ምንጭታት እታ ሃገር ይጠቕሱ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0