ጂቡቲን ሱዳንን ዝምድንአን የሐድሳ

Radio Erena: 03 February 2020

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ጂቡቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ትማሊ ሰንበት 2 ለካቲት ናብ ጂቡቲ ዝኣተወ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ደስኪሉ ዝጸንሐ ዝምድና ንምሕዳሱ ኣብ ዘኽእሉ ሓያሎ ነጥብታት ምስ ፕረዚደንት ጂቡቲ ተመያይጡ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ደው ዝበለ ኮሚተ ሚኒስተራት ክልትኤን ሃገራት፣ ርክባቱ ካብ ዝመጽእ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ካርቱም ክቕጽል’ውን ተሰማሚዖም።

ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ጂቡቲ ምብጻሕ ዘካየደ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሓድሽ ኣብ ዝህነጽ ዘሎ ማእከላይ ቤተ ጽሕፈት ኢጋድ፣ እምነ መሰረት ኣንቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብምትካእ፣ ካብ ውርሒ ሕዳር 2019 ኣቦ መንበር ኢጋድ ምዃኑ ኣይርሳዕን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0