ጁባ-ካምፓላ ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ብ 30 ሚእታዊት ጎዲሉ

ጁባ-ካምፓላ ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ብ 30 ሚእታዊት ጎዲሉ

Radio Erena: 5 June, 2014

juba kampa

ኣብ ደቡብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፣ ነቲ ካብን ናብን ካምፓላ-ጁባ ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ብኣስታት 30 ሚእታዊት ከምዝዓንቐፎ ተሓቢሩ።

ማዕከን ዜና ኢንዲፐንደት ንባንክ ዓለም ብምጥቃስ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ፣ ኣብ ክሳብ 2010 ናብ 66 ሚእታዊት ደይቡ ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ጁባ-ካምፓላ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ 30 ሚእታዊት ጥራይ ወሪዱ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

 

ከተማ ጁባ ካብተን ካልኦት ከተማታት ደቡብ ሱዳን ዝሓሸ ጸጥታዊ ርግኣት እኳ እንተለዋ፣ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ዘጋጠመ ኩነታት ዘስግኦም ሓያሎ ነጋዶን ኣውፈርቲን ካብ ጁባ ናብ ካምፓላ ከምዝገዓዉ’ውን ኣረዲኡ።

ኣብዚ ካብን ናብን ካምፓላ-ጁባ ዝካየድ ንግዳዊ ንጥፈታት ካብ ዝዋስኡ ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ኤርትራውያን’ውን ምስቶም ቀዳሞት’ዮም ዝጥቐሱ።

ብመሰረት ጸብጻብ ባንክ ዓለም፣ ድሕሪ’ቲ ኩናት ብ50 ሚእታዊት ጎዲሉ ዘሎ ሕጋዊ ንግዳዊ ልውውጥ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 87 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ እንከሎ ኣብ ሞንጎ ኡጋንዳን ኬንያ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ድማ 237 ሚልዮን ዶላር’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ልውውጥ ከምዝካየድ’ውን ይፍለጥ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0